Eritrea and Ethiopia Desk

ንብዙሓት ኤርትራዉያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሩዋንዳ ናይ ምንባር ወይ ድማ ናይ ምውፋር ዝነበሮም ጥሙሕ

ኣብዚ እዋን እዚ ግሁድ ኮይኑ ይርከብ። ውሽጣዊ ሰላም፡ ጸጥታዊ ውሕስነት፡ ጽባቐ ብሓምላይ ጎቦታትን

ስንጭሮታትን ዘጌጸት ከተማ ኪጋሊ ምቹእ ናይ ንግዲ ሃዋህውን ብኣህዛብ ክልቲኦም ሃገራት ልዑል ዋጋ

ዝወሃቦም ረቛሒታትን እዮም። ዋላ’ዉን ከም ወጻእተኛ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብኢንተርነት

ዋኒንካ/ትካልካ ከተመዝግብን፡ ኣብ ሓጺር መዓልታት ኣብ ንብረት ይኹን ኣብ ስራሕ ወፍሪ ክትገብር ዘኽእል

እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብቑልጡፍ ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ድንቂ ዓለምለኻዊ ማሕበርሰብ ኤርትራውያንን

ኢትዮጵዉያንን ተወሲኽዎ፡ ሩዋንዳ ልክዕ ከም ገዛኻ ኮይና ክትስመዓካ ከምትኽእል ይግብራ።

ቫይብ ሪል እስቴት ሩዋንዳ ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ፥ ሞያዊ ምኽሪ ኣብ ምልጋስን፡ ምሻጥን ምክራይን ንግዳዊን

መንበርን ኣባይቲ ናይ ነዊሕ ዓመት ተሞክሮ ዘለዎ ትካል ኮይኑ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ድማ ኣብ ምምዕባል

ኣባይቲ ዝነጥፍ ዘሎ ትካል እዩ። እዚ ትካል ንኤምባሲታት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ዘጠቓልሉ ፍሉጣት

ዓማዊል ዘገልገለ ኮይኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ንኸማኻ/ኺ ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ዓደግቲ ናይ ሕልሚ ገዛውቲን ፡

መሬትን ከም’ዉን ፋብሪካታት ረኺቡ እዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኪጋሊ መጺኦም ዘይንቀሳቐስ ንብረት

ክካረዩን ክገዝኡንን ቦታታት ክደልዩን ብውልቆም ከሳልጡን ነዚ ክዉን ንምግባር ክሳብ ዝተጋነኑ ክፍሊት ኣብ

ምኽፋል ይርከቡ። ንሕና እምበኣር ነዞም ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጹ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ዘድልዮም

ኩሉ ሓገዝ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ሓደ ዘተኣማምን ኣድራሻ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኪጋሊ (ኪጋሊ ሃይትስ ሓሊፍካ

ዘሎ) ከምዝኸፈትና ክነበስረኩም ንፈቱ፡፡ ቀሊል፡ ምቹእ፡ ዘተኣማምን፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ናጻ ዝኾነ መንገዲ ገዛ፡

መሬት ወይ ኣብ ንግዳዊ መዓላ ዝውዕል ህንጻ ዝርከበሉ ዕድላት ንምፍጣር ምስ ቫይብ ሪል እስቴት ተሻሪኽና

ኣለና።

ብተወሳኺ ፡ ዝመረጽክሞ ህንጻ ኣብ ዌብሳይትና ክትረክብዎ እንተዘይክኢልኩም፡ ብኻልእ መንገዲ ዝደለኹሞ

ህንጻ ክንረኽበልኩም ከምእንኽእል ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

በዚ ቴሌፎን ርኸቡና፡ +250 781 466 053 or rodas@vibe.rw

ናብ ርዋንዳ ብደሓን ምጹ!

ዶር. ሓርነት

Compare listings

Compare
Search
Price Range From To
Open WhatsApp
1
Hello, this is Vibe Real Estate. How can we assist you?